The construction of the road that connects Bizet woreda and Hagua-Arega Tabia has begun.

Hailay
2/4/2026
35 Views
The construction of the road that connects Bizet woreda and Hagua-Arega Tabia has begun.

ጅማሮ ህንፀት መንገዲ ገጠር ብዘት-ሓጓ ኣረጋ --- ምምሕዳር ወረዳ ብዘት ካብ ማእከል ወረዳ ናብ ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ዘራክብ ህንፀት 10 ኪሎሜትሮ መንገዲ ከም ዝጀመረ አፍሊጡ። ዋና አማሓዳሪ ወረዳ ብዘት አይተ ዮሴፍ ምስግና ከም ዝገለፅዎ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ሓንቲ ወረዳ ብዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከም ዝውሰን ድሕሪ ምግላፅ ኣብታ ወረዳ ጠለባትን ድሌት ማሕበረሰብን አብ ምምላእ ዝሐሸ መሰረተ ልምዓት ዘለዋ ወረዳ ንምህናፅን ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ወረዳኦም ንምብራኽን ዝተዋደደ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ አብሪሆም ። በዚ መሰረት ድማ ይብሉ እቶም ዋና አማሓዳሪ ካብ ወረዳ ማእከል ናብ ጣብያ ማእከል ንምርካብ ግደ መንግስቲ ዋላ እንተኾነ ግን ድማ ዘለናሉ ህልዉ ኩነታት ስለ ዝፍለጥ ወረዳ ምምሕዳር ምስ ተወለድትን ፈተውትን ዓዲ ብሙኻን ፀገም ማሕበረሰብና ክንፈትሕ አለና ብምባል ዝተጀመረ ስራሕ ሙኻኑ ሓቢሮም። ሓላፊ ዘፈር መንግስታዊ ግልገጋሎት ወረዳ ብዘት መ/ር ወለገብርኤል ወለዮውሃንስ ብግድኦም ኣብ ጣብያ ሓጋ አረጋ ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት እቲ መንገዲ ዕውት ኾይኑ ንምዝዛም መንግስቲ ልዑል ቆላሕታ ክህበሉ ይግባእ ብምባል ናይ ተግባር ስራሕ ንክንአቱ ዝገበሩ ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢአን ድማ አመስጊኖም። ተወካሊ ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢአን አይተ ያይኒሸት ገብረዮውሃንስ ብግድኦም ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ሓጋ አረጋ ካብ ዝነበሩና ፀገማት ንምልቃቅ ልዕሊ ኩሉ ድማ አዴታትና ግልጋሎት ኦምቡላንስ ክረክባ አለወን ተባሂሉ ዝተጀመረ ስራሕ ሙካኑ ብምግላፅ አብቲ ከባቢ ዝበፅሕ ዝነበረ ፀገም ማሕበረ ኢኮኖሚ ሃሰያ ብዘላቅነት ከም ዝቀርፍ ኣገንዚቦም ይብል ሓበሬታ ጉዳያት ኮምኒኬሽን እታ ወረዳ