ሰሜን ኮሪያ ዳግማይ ንዓለም ኣገሪማ!

Hailay
3/12/2026
63 Views
ሰሜን ኮሪያ ዳግማይ ንዓለም ኣገሪማ!

ሰሜን ኮሪያ ዳግማይ ንዓለም ዘገረመ ስጉምቲ ወሲዳ! መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን፡ ካብ ሓደ ኣዝዩ ግዙፍ ዝኾነ ሓዱሽ ናይ ውግእ መርከብ ኾይኖም ሓደገኛታት ናይ ክሩዝ ሚሳይላት ክትኩሱ ምትርኣዮም ዓቢ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።


እዚ 5,000 ቶን ዝምዘን "ቾይ ህዮን" (Choe Hyon) ዝተሰምየ ሓዱሽ ናይ ውግእ መርከብ፡ ገና ብወግዒ ስራሕ ከይጀመረ እዩ ነዚ ዘሰንብድ ናይ ሚሳይል ፈተና ኣካይዱ። ኪም ባዕሎም ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ፈተና ብፍሽኽታ ዝተኸታተልዎ ክኾኑ ከለዉ፡ ነቲ መርከብ ድማ "ናይ ሃገርና ናይ ባሕሪ ሓይሊ ሓዱሽ ምልክት!" ክብሉ ብኩርዓት ንኢዶምዎ።


እቲ ነገር ዝያዳ ዘሰንብድ ዝኸውን ድማ፡ ደቡብ ኮሪያ ከም ዘቃልዓቶ፡ እቶም "ስትራቴጂካዊ" ዝተባህሉ ሚሳይላት ኑክሌራዊ ርእሰ-መትሓዚ (nuclear warhead) ክጸውሩ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ።


ኪም ኣብ ዑደቶም ንጸላእቶም ዘጠንቅቕ ጽኑዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። "ንባሕሪ ሓይልና ብኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምዕጣቕ ስራሕ ብዝግባእን ብዘሐጉስ ቅልጣፈን ይስለጥ ኣሎ!" ኢሎም። ወሲኾም እውን "ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘደንቕ ናይ ባሕሪ ልኡላውነት ነመዝግብ ኣለና" ብምባል ነቲ ዞባ ኣብ ስግኣት ዘውድቕ መደረ ኣስሚዖም።


ናይ ሰሜን ኮሪያ ናይ ባሕሪ ሓይሊ ጉዕዞ ግን ኩሉ ግዜ ጽሬት ጥራይ ኣይነበረን። ትዝክሩ እንተኾይንኩም፡ ዝሓለፈ ዓመት (ኣብ ግንቦት 2025) ተመሳሳሊ ግዙፍ መርከብ ክምርቁ ክብሉ፡ እቲ መርከብ ብጌጋ ተገልቢጡ ዓቢ ውርደት ገጢምዎም ነይሩ እዩ!


ሽዑ ኪም ብቑጥዐ ዓቢዶም፡ ነቲ ጉዳይ "ገበን"ን "ከቢድ ዕሽነት"ን ክብሉ ንሰበ-ስልጣኖም መከራ ኣርእዮምዎም ከም ዝነበሩ ኣይርሳዕን። እቲ ዘሕፍር ፍጻመ ንኣካል እቲ መርከብ ብኽፍኣት ጎዲእዎ ዝነበረ እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ግን ካብቲ ውድቀት ተላዒሎም ብሓዱሽ ናይ ውግእ መርከብ ጅግንነት ተመሊሶም ኣለዉ።


እዚ ኩሉ ናይ ኲናት ኣጽዋር ምፍካር ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኪም ንህዝቦም ናብራ ንምምሕያሽ ቃል ምእታዎም ድማ ካልእ ዘዘራርብ ጉዳይ እዩ። ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፓርቲኦም ጉባኤ፡ "ቁጠባና ምዕባይን ናብራ ህዝብና ምምሕያሽን ህጹጽ ታሪኻዊ ግዴታና እዩ፤ ሓንቲ ሰከንድ እኳ ከነባኽን የብልናን!" ክብሉ ተዛሪቦም።


ይኹን እምበር፡ ሰሜን ኮሪያ ሕጂ እውን ቀዳምነት እትህቦ ካብ ኣመሪካን ደቡብ ኮሪያን ዝመጻ ጸቕጥታት ንምጽዋር ክትብል፡ ኑክሌራዊን ወተሃደራዊን ሓይላ ኣብ ምድልዳል ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ህዝቢ ኣብ ድኽነት እናማቀቀ እንተሃለወ እኳ፡ ናይ ኪም ቆላሕታ ግን ሕጂ እውን ናብ ሰማይ ኣብ ዝትኩሱ ሚሳይላት እዩ።


ኣሞራ ሚድያ | Amora Media
28 ለካቲት 2018