ንዉሳነ ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያን ቤትምኽሪ ፌደሬሽንን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድባት ተኻይዱ።

Hailay
2/28/2026
55 Views
ንዉሳነ ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያን ቤትምኽሪ ፌደሬሽንን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድባት ተኻይዱ።

ንዉሳነ ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያን ቤትምኽሪ ፌደሬሽንን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ተናሓናሕቲ ውድባት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ከተማታት ዝመፁ ነበርትን ተመዛበልትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ/ባሎኒ ተኻይዱ።

‎ኣብቲ ህዝባዊ ስላማዊ ስልፊ ካብ ዝተረኸቡ ተናሐናሕቲ ውድባት ትግራይ ኣቦወንበር ውድብ ባይቶና ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ፣ "እዚ ሰልፊ እዚ ውግእ ኣይንደልን፣ ውዕሊ ፕሪቶርያን ሕጊን ይከበር ዝብዕ  ስልፊ እዩ፡፡ እቲ መረፃ ቦርድ ዝውሰኖ፣ ባይቶ ፌዴሬሽን ዘፅደቖ ድሓር ድማ ቤት ፍርዲ ፌዴሬሽን ኣጊድዎ ዝተብሃለ ውሳነ ድራማ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ከም ውድብ ባይቶና ተቐባልነት ከምዘይብሉን ምእንተ ሰላም ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታት ብሓባር ከም ዝሰርሑን ገሊፁ፡፡

‎ ምክትል ኣቦ መንበር ውድብ ኣኽሱማይ ዋዕላ ወ/ሮ መርሃዊት ኣብራሃ ብወገነን፣ እዚ መረፃ ቦርድ ኢትዮጽያ ወስንዎ ዘሎ ውሳነ ከምዝይቕበልዎ ብምግላፅ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ሓድነት ድማ ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡ 

‎ ኣቦ ወንበር ወደብ ዓሲምባ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም፣ መረፃ ቦርድ ኢትዮጽያ ዝውሰኖ ውሳነ ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ከም ወደብ ዓሲምባ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ከም ዝድግፍወን ኣብ ካልኦት ህዝብታት ዝግበር ናይ ሰላም ስራሕቲ ሓቢሮም ከም ዝስርሑን ሓቢሮም፡፡

‎ ኣይተ ዶሪ፣ ለኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ተመዛበልቲ ወገናትና ውሕስ ብዝኾነ መንገዲ ናብ መሬቶምን ገዝኦምን ክሳብ ዝምለሱ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዘለው ተጋሩ ሓድነቶም ብምጥንኻር ሃገራዊ ግቡኦም ንኽዋፅኡ ፀዊዖም፡፡