መግለፂ ኢንስቲትዩት ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ (PAN AFRICAN AGENDA)
መበል 39 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዕለት 14-15 ለካቲት 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ ግጭት ዝመውት ሰብ መጠን ብ 841% ብምውሳኹን፡ ካብ ሱዳን ክሳብ ሃገራት ሳሄል ውግኣት ይካየዱ ብምህላዎምን፡ እዚ ዋዕላ እዚ ከምቲ ልሙድ ክኸውን ኣይክእልን።
ሓድሽ ጸብጻብ PAAI ከም ዘርእዮ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ህልቂት ሩዋንዳ ንዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ዝዓበየ ኲናት ክከላኸል ኣይከኣለን። "እቲ 'ከም ብሓድሽ ኣይድገምን' ዝብል መብጽዓ ትርጉም ዝሰኣነ ኮይኑ ኣሎ" ይብል እቲ ጸብጻብ። "ሰላሳ ዓመታት ድሕሪ ህልቂት ሩዋንዳ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ውግኣት ዝመጽእ ሞት ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።"
PAAI ንሕብረት ኣፍሪቃን ኣሰራርሓኡን ህጹጽ ምሉእ ምሕዳስ ክግበረሉ ጸዊዑ።
ብኢንስቲትዩት ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ (PAAI)ዝቐረበ ትንተና ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽኑዕ ውሳነ ሂቡ ኣሎ፦ እዚ ላዕለዋይ ትካል ፓን ኣፍሪቃዊ ውድብ ንዓላማኡ ብቑዕ ኣይኮነን፤ ውግኣትን፡ ግፍዕታትን፡ ከምኡ’ውን ብጃምላ ምዝብልናን ንምክልኻል ኣብ ዘለዎ ቀንዲ ዕማም ድማ ፈሺሉ እዩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ሞት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብ 841% ወሲኹ ኣሎ—ካብ 44,000 ሞት (2004–2008) ናብ 414,000 ሞት (2019–2023) ደይቡ።
በንጻሩ ግን ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ኣፍሪቃ ሰላምን ድሕነትን ትካል (APSA) ውጽኢታዊ ናይ ምክልኻል ወይ ምላሽ ናይ ምሃብ ስጉምቲ ክወስዱ ኣይከኣሉን።
🔹ዝተጋህደ ናይ ሚድያ ዘይመጣጠን ሽፋን
እቲ ጸብጻብ ኣብ ዓለምለኻዊ ቆላሕታ ዘሎ ዘሰንብድ ዘይመጣጠን ፍልልይ እውን ኣስፊሩ ኣሎ። ኩሎም ግጭታት ዘሕዝኑ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ኣብ ናይ ሚድያ ቆላሕታ ዘሎ ፍልልይ ግና ኣብ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲን ናይ ሚድያ ኣቓልቦን ዘሎ ደረጃታት ዘንጸባርቕ እዩ።
"እዚ ድማ ኣብ መንጎ 'ብቑዓት'ን 'ዘይብቑዓት'ን ግዳያት ዝገብሮ ፍልልይ እዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ጋዛን ዩክሬንን ኣብ መዓልቲ ብገምጋም 58.5ን 19.4ን ዜናዊ ጽሑፋት ክረኽባ ከለዋ፡ ገለ ካብቶም ኣዝዮም ዘሰንብዱ ቅልውላዋት ዓለም ከም ቻድ (0.06 ዜና/መዓልቲ)ን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (1.5 ዜና/መዓልቲ)ን ግና ኣዝዩ ትሑት ዝኾነ ቀጻልነት ዘይብሉ ሽፋን ጥራይ እዩ ዝወሃቦም።
ሱዳን ነዊሕ ዝጸንሐን ኣዕናውን ግጭት እናሃለዋ : ምስቶም ካልኦት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት ናይ ሚድያ ቆላሕታ ትረክብ። ኣብ መዓልቲ ብገምጋም 2.6 ዜናታት ጥራይ ክወሃባ ከሎ፡ እዚ ድማ ምስቲ ብ 58.5 ዜናታት ዝዕብልል ዘሎ ሽፋን ጋዛን ብ 19.4 ዜናታት ዝስዕብ ዘሎ ዩክሬንን ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ንኡስ እዩ። ዋላ እኳ ኢትዮጵያ ንባዕላ ትሑት ሽፋን ከም ዝወሃባ ዝግለጽ እንተኾነ፡ ኣብ መዓልቲ 1 ዜና ጥራይ ብምርካብ፡ ሱዳን ካብኣ ብቁሩብ ጥራይ ልዕል ኢላ ትርከብ፤ እዚ ድማ ሱዳን ኣብቲ ትሑት ቆላሕታ ዝወሃቦም ክፍልታት ከም ዘላ የርእይ።
ኣብ ዓለምለኻዊ ናይ ሚድያ ጸብጻባት ዘሎ ርኡይ ዘይመጣጠንነት ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየዱ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን፡ ዋላ እኳ እቲ ግጭት ሰፊሕን ከቢድን እንተኾነ፡ ምስቲ ንጋዛን ዩክሬንን ዝወሃብ ቀጻልነት ዘለዎ ሽፋን ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ንኡስ እዩ።
ኲናት ትግራይ ምስቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክነጻጸር ከሎ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝዛይድ ሞት ዘስዓበ እኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ንጋዛ ዝወሃብ 58.5% ሽፋን ክነጻጸር ከሎ 0.96% ጥራይ ዓለምለኻዊ ናይ ሚድያ ሽፋን ረኺቡ።
ኲናት ትግራይ ምስ ጋዛ ክነጻጸር ከሎ ብገምጋም ብ61 ዕጽፊ ዝወሓደ፡ ምስ ዩክሬን ክነጻጸር ከሎ ድማ ብ20 ዕጽፊ ዝወሓደ ናይ ሚድያ ጸብጻብ ረኺቡ።
ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሊብያን ደቡብ ሱዳንን ዝተኻየዱ ኣዕነውቲ ውግኣትን ግፍዕታትን ክከላኸሉ ወይ እንተወሓደ ክንክዩ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ የጠንቅቕ። ይኹን እምበር፡ ናይዘን ሃገራትን ካልኦት ኣብ ግጭት ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃን መንነት ንሓዋሩ ብዘይሕከስ መገዲ ተዳኺሙ ኣሎ።
ሱዳን፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ገለ ካብ ሃገራት ሳሄልን ከም ቀንዲ ኣብነታት ክጥቀሳ ይኽእላ።
🔹ብኣሃዛት
ጸብጻብ PAAI ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ግጭታት ዝመጸ ጽልዋ ዘሰንብድ ርካባት የቕርብ፦
➣ኣብ መንጎ 2014–2024፡ 532,413 ምስ ውግእ ዝተኣሳሰር ሞት ተመዝጊቡ፤ እዚ ድማ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመት (122,148 ሞት) ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
➣ኣብ መንጎ 2014–2024፡ 76.3 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት (ካብ ጠቕላላ ዓለምለኻዊ ቁጽሪ 50%) ኣብ ኣፍሪቃ ይርከቡ።
➣ ኣብ መንጎ 2014–2024፡ 81 ሚልዮን ስደተኛታትን ዑቕባ ደለይትን ካብ ኣፍሪቃ ወጽዮም።
➣ኣብ 2024 ጥራይ፡ ብሰንኪ ዓመጽ ኣብ ኣፍሪቃ ዝወረደ ናይ ቁጠባ ዕንወት 929 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ በጺሑ።
➣ ክሳብ መወዳእታ 2024፡ ኣብ ሱዳን ጥራይ ኣስታት 15 ሚልዮን ዝተመዛበሉ ሰባት ኣለዉ—እዚ ድማ ዳርጋ ሲሶ ናይቲ ህዝቢ እዩ።
➣ ካብተን ኣብ ዓለም ንጃምላዊ ግፍዕታት (mass atrocities) ዝለዓለ ስግኣት ዘለወን 20 ሃገራት፡ ትሽዓተ ካብአን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።
🔹እቲ ዘይርአ ዕንወት (The Invisible Catastrophe)
እቲ ብልፍንቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ (2020–2022)፡ ድሕሪ እቲ ናይ 1994 ህልቂት ሩዋንዳ ኣብ ዓለም ዝኸፈአ ግጭት እዩ ነይሩ።
ብትሑት ግምት፡ ብሰንኪ ቀጥታዊ ውግእ፡ ዕፅዋን ከበባን፡ ጥሜትን ሕጽረት መሰረታዊ መድሃኒትን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን 600,000 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
ይኹን እምበር፡ ኣብታ ንሕብረት ኣፍሪቃን ንቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕነትን ጋሻ ኮይና እተአንግድ ዘላ ሃገረ ኢትዮጵያ ከቢድ ግፍዕታት እናተፈጸመ ከሎ፡ እቲ ክፍለ-ዓለማዊ ትካል "ኣዝዩ ውሑድ ቆላሕታን ካብኡ ዝገደደ ድማ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ኣይወሰደን"።
ጸብጻብ PAAI ከም ዝደምደሞ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመስረተሉ እዋን ካብ ዝሑል ውግእ ዓለም ናብቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓደ ሓያል ሓይሊ (unipolar) ዘለዎ ሊበራል ዓለምለኻዊ ስርዓት ኣብ ዝተሰጋገረሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ ስርዓት ሕጂ ኣብ ሓደገኛ "interregnum" (ኣብ መንጎ ክልተ ስርዓታት ዘሎ ናይ ምስግጋር እዋን) ይርከብ፤ እቲ ዝነበረ ኣረጊት ስርዓት ይመውት ኣሎ፡ ሓድሽ ድማ ገና ኣይተወልደን። እዚ ናብ ዘይፍለጥ መጻኢ ዝግበር ምስግጋር ብዘይርጉጽነትን ተለዋዋጥነትን ዝመልአ ኮይኑ፡ ንሃገራዊ ስምዒት ዕድል ዝህብ እዩ።
እዚ ምስግጋር እዚ ብሓያል ውድድር ሓያላን ሃገራትን እናወደቐ ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓዊ ዝምድናታትን (multilateralism) ዝተመልአ ብምዃኑ፡ ንኣምቢሻዊ ዕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ንጥፈት ኣልቦ ገይርዎ ኣሎ።
> Hailay:
እቲ ጸብጻብ ከም ዘጠንቅቖ፡ "ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መበገሲ ግምታቱ፡ ደረጃ ድሌቱ፡ ከምኡ'ውን እቲ ዕማሙ ክሳብ ክንደይ ጋህዲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዳግማይ ክርእዮ ይግባእ"። ዳግመ-ምምጥጣን (Recalibration) ማለት ድማ ድሌታትካ ብምቕናስ ኣብቶም ክዕመሙ ዝኽእሉ ቀንዲ ዕማማት ጥራይ ምትኳር ማለት ክኸውን ይኽእል።
🔹ንለውጢ ዝቐረቡ ኣርባዕተ ትባዓት እማመታት
PAAI ኣርባዕተ ህጹጽ ለውጥታት ክግበሩ ይመክር፦
• ንሕብረት ኣፍሪቃ ምቕያር (Transform the AU)፦ ደረጃ ድሌታት ምስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ድሌትን ሃብትን ክመጣጠን ምግባር፤ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ማሕበረሰባትን (RECs) ዘሎ ምውህሃድ ብሕጋዊ መንገዲ ምሕያል።
• ነታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዳግማይ ምሕሳብ (Reimagine the African State)፦ ከም መለለዪ ኣሰራርሓ "ሓንቲ ሃገር ምስ ብዙሓት ስርዓታት" (states with multiple systems) ዝብል ኣምር ምቕባል፤ እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ፡ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ቅርጽታት ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ዶባት ብሓባር ክነብሩ ዘኽእል እዩ።
• ንቤት-ውሽጢ ድልየታት ቀዳምነት ምሃብ፦ ንፖለቲካዊ ዋንነት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምሕያልን ንመንእሰያት (ብፍላይ ድማ ወለዶ Gen Z) ከም ኣዝዩ ሓያል ስትራተጂካዊ ሃብቲ ቀጻሊ ለውጢ ምምስካር።
• ሰለስተ-ኣንፈታዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ምጥቃም፦ ኣብ ክንዲ ስነ-ሓሳብ (ideology) ተግባራዊነት (pragmatism) ምኽታል። ካብ ምፍሕፋሕ ወጺኡ ሓባራዊ ፓን-ኣፍሪቃዊ ድምጺ ምስማዕ።
ናይ ስጉምቲ ጽውዒት
"ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኻዊ ብዙሓዊ ስርዓታት ጥራይ ክትምርኮስ ኣይትኽእልን እያ" ይብል እቲ ጸብጻብ። "ናይ ወጻኢ ፋይናንሳዊ ሓገዝ እናቐነሰ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እቲ ክፍለ-ዓለም ንገዛእ ርእሱ ክምርኮስን ስትራተጂካዊ ናጽነት ክህልዎን፡ ንጥፈት ዝተመርኮሰ ፓን-ኣፍሪቃዊ ሓባራዊ መርገጺታት ክሕዝን ይግባእ"።
ኢንስቲትዩት ኣጀንዳ ፓን ኣፍሪቃ(PAAI)