ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን መበል 51 ዓመት ፅንብል በዓል 11 ለካቲት ብዝተፈላለየ ምድላዋት ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ተወጋጊኑ።

Hailay
2/11/2026
51 Views
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን መበል 51 ዓመት ፅንብል በዓል 11 ለካቲት ብዝተፈላለየ ምድላዋት ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ተወጋጊኑ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን መበል 51 ዓመት ፅንብል በዓል 11 ለካቲት ብዝተፈላለየ ምድላዋት ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ተወጋጊኑ። ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ኣብ ዘቕረቦ ፃውዒት ፅምብል መበል 51 ዓመት ወርቃዊት በዓል 11 ለካቲት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ውድብ ህወሓትን ሙሉእ ኣታዊኡ ንኣካለ ጉድኣት ሓርበኛታት ትግራይ ዝውዕል እዩ ። ካብዚ ብተወሳኺ ዘለና ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፍና ኣብ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ቅደም ሰዓብ ተሰሊፍና ሓድነታዊ ግዝኣትናን ተመዛባላይ ህዝብናን ናብ መረበቱ ክምለስ ውሕስነቱ ክረጋገፅ ድምፂ ንኾነሉ ፅምብል እውን እዩ ኢሉ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ። መበል 51 ዓመት 11 ለካቲት እንትነብዕል ፣ ህዝብና ብምኽንያት ስደት ፣ ጥሜትን ሕማምን ኣዝዩ ኣብ ዝተሃሰየሉን ንሰላሕታ ሞት ዝተቓለዐሉን እዋን ከምዘሎ ኣብ ግምት ዝኣትው 'ዩ ዝበለ እቲ ማሕበር 11 ለካቲት እነኽብር ክንስዕስዕ ከይኮነስ ጀጋኑና ዝሃቡና ሓደራ ብምሽካም ንዝመፁ ፈተናታት ተወዲብና ንምቅላስ ከም ምኽንያት ብምግባር እዩ ኢሉ ። እታ ምልክት ፅንዓትናን ሓድነትናን ዝኾነት ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ብዘይ ኣፈላላይ ካብቲ ሕሉፍ ዝተሰርሑ ጀግንነት እናዘከርና ንቅድሚት እንመሃረሉ ብኻልእ ገፅ ድማ ዘለና ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፍና ኣብ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ቅደም ሰዓብ ተሰሊፍና ሓድነታዊ ግዝኣትናን ተመዛባላይ ህዝብናን ናብ መረበቱ ክምለስ ውሕስነቱ ክረጋገፅ ድምፂ ንኾነሉ በዓል እዩ 11 ለካቲት ኢሉ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ኣብ ዘቕረቦ ፃውዒት ብተወሳኺ መፃኢና ብሓባር እሂን ምሂን ኢልና ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘኒሃ ዝተሓላለኸ ሽግር ከመይ ክንወፅእ ከምዘለና እንመኽረሉን ነንባዕልና ንዳመመፀሉን ናይ ሓድነትና ክብርቲ ዕለት እያ። ብምዃኑ ድማ ንማሕበረሰብ ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ኣብዛ ክቡርቲ ዕለት 11 ለካቲት ብሓባር ብዝለዓለን ብዝደመቐን ክነኽብሮ ቆፀሮ ን Saturday February 14, 2026 ፕሮግራም ካብ ሰዓት 6:00PM ክሳብ 2:00AM ኣብ Hilton Crystal Arlington VA 2399 Richmond Hwy, Arlington, VA 22202 ንኽንርከብ ብኽብሪ ንዕድም ኢሉ ኣሎ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ። ማሕበረሰብ ትግራይ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን መበል 51 ዓመት ወርቃዊት በዓል 11 ለካቲት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ውድብ ህወሓት ብሓደ ገፅ ኽብርቲ ዕለትና እናዘከርና ብኻሊእ ገፅ ኸዓ ምእንተ ህላወና ህላወ ትግራይን ኢሎም ኣካሎም ዝጎደሉ ሓርበኛታትና ብዝኸኣልናዮ ንሓግዝ ክብል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ፀዊዑ ።