ናብ ትግራይ ዝግብሩ ስሩዕ በረራታት ተቛሪፆም. ናብ ትግራይ ዝግበሩ ዝነበሩ ስሩዕ ናይ ኣየር በረራ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተሰረዙ ተፈሊጡ። መሰረት ዝተብሃለ ሚድያ ንተጓዓዝትን ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ እቲ ምቁራፅ በረራ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ። እዚ ዜና ዝተረጋገፀ ካብቶም በረራ ክገብሩ ዝነበሮም ተጓዓዝትን ካብ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየርን ብዝተረኽበ ሓበሬታ ምዃኑ ተገሊፁ። ክሳብ ሐዚ ብወገን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይኹን ብወገን መንግስቲ እዞም በረራ ንምንታይ ከምዝተሰረዙ ዝተዋህበ ዕላዊ መግለፂ የለን። እዚ ሃንደበታዊ ምስራዝ በረራ ኣብቶም ጉዕዞ ክገብሩ ዝነበሩ ተጓዓዝቲን ሰራሕተኛታትን ልዑል ምድንጋርን ምድንጋፅን ፈጢሩ ከምዘሎ ተገሊፁ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ ወይ ድማ እቲ በረራ ዝጅምረሉ ግዜ እንተሃልዩ ተኸታቲልና ክነቕርበልኩም ኢና።