ሓዱሽ ዕላመት ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ዕላዊ ኰይኑ።

Hailay
2/6/2026
35 Views
ሓዱሽ ዕላመት ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ዕላዊ ኰይኑ።
ሓዱሽ ዕላመት ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ዕላዊ ኰይኑ።
ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ፀጋታት ንምልላይን ንሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትምቹ ትግራይ ንምግሃድን ዘኽእሎ ዕላመት (ብራንዲንግ) ዕላዊ ገይሩ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ዳኒኤል መኮነን፥ ዋላ'ኳ ድሕሪ ኲናት ዘሎ ፍሰት ኢንቨስትመንት ትግራይ ካብቲ ሕሉፍ ዝሓሸ እንተኾነ ብሰንኪ ሕመቕ ቢሮክራሲ፣ ፀገም ፀጥታን በቢእዋኑ ዝቀያየር ሕጊ ፌደራል መንግስትን ክንድቲ ዝድለ ይዓቢ ዘይምህላዉ ገሊፆም።
ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ፥ ትካሎም ንብርክት ዝበሉ ኢንቨስተራት ግልጋሎትን ምኽርን ምሃቡ ብምጥቃስ ሐዚ'ውን ስሉጥ ግልጋሎት ዓማዊል ንምቕራብ ፅዑቕ ፃዕሪ ይገበር ምህላዉ ኮሚሽነር ዳኒኤል ኣፍሊጦም።
እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሐዚ፥ ግልጋሎት ኦንላይን ንምሃብ ዘኽእል ቴክኖሎጂያዊ መስርሕ (ሶፍትዌር) ምትእትታዉ ዘዘኻኸሩ ኮሚሽነር ዳኒኤል፥ ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ ሓድሽ ዕላመት እውን ትካሎም ኣብ ከይዲ ለውጢ ምህላዉ ዘረጋግፅ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ዕላውነት ዕላመት ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፥እቲ ሓድሽ ዕላመት ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዝተርፍ ንድፊ ከይኮነስ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምዘድሊ ዘመልክት ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ምንጪ ስግኣት ድሕንነትና ኣብ ቁጠባና ዘሎ ፀገም እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ ቀንዲ መፍትሒኡ እውን ንሱ ምልዋጥ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ኮሚሽን ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኣካል ዋሕስ ድሕንነት ክኸውን ኣብ ምግባር ዝህልዎ ዕማም ድጋፍ ጊዜያዊ ምምሕዳር ከምዘይፍለዮ ኣፍሊጦም።
ምስ ኩነታት ፀጥታ ብዝተኣሳሰር መልእኽቶም ዘሕለፉ ፕረዚደንት ታደሰ፥ ሐዚ ዘሎ ውጥረት ናብ ሰላም ንከምርሕ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝከኣሎ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።
ኣብቲ መድረኽ፥ ትግራይ ማእኸል ኢንቨስትመንት ንክትኸውን ዘኽእል ሓባሪ ኣንፈት መፅናዕቲ ዘቕረቡ መስራትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ግሎካል ኮንሳልቲንግ ግሩፕ ኢንጂነር ይኩኖኣምላክ ተስፋይ፥ ትግራይ ብኢንቨስተራት ተመራፂት ክትከውን ክስርሑ ይግባእ ዝበሉዎም ምኽረ ሓሳባት ኣቕሪቦም።