መራሕቲ ዓለም ኣብ ቅልውላው ትግራይ ብቕሉዕ ክዛረቡ ኣለዎም ክብል ዓለም ለኸ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣተሓሳሲቡ ።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዓመታዊ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ኣፍሪካውያንን ካልኦት ዓለምለኻውያን መራሕቲን ፅልዎ ፈጠርቲን ኣብ ጉዳይ ትግራይን እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ብግልፂ ክዝረብሉ ይግባእ ኢሉ ኣሎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ።
ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየዶ ኣዕናዊ ኲናትን ሰብ ዝሰርሖ ሰብኣዊ ሓደጋን ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ኩነታት እዩ ዝርከብ ዝበለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ነዚ ጉዳይ ክርእይዎ ይግባእ ኢሉ ።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን መሻርኽቲ ዓለምን ብዛዕባ’ቲ ህዝቢ ዝበፅሖ በሰላን በታ ኣአንጋዲት እቲ ዋዕላ ዝኾነት ሃገር (ኢትዮጵያ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ ሓደጋታትን ብግልፂ ክዛረቡ ይግባእ ክብል ሂዩማን ራይትስ ዎች ለበዎ ኣቕሪቡ ኣሎ ።
እቲ ትካል ከምዝበሎ ፤ ኣብ መበል 39 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኩሎም መራሕትን ኣካላት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላትን ሓዊሱ ንዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ፤ ነቲ ኣብ ትግራይን እታ ሃገርና እናተጋህደ ዝረአ ዘሎን ዘይምርግጋእን ጎነፅን ኣልዒሎም ክዝትይሉን ክዛረብሉን ይግባእ ክብል ድማ ብኣፅንኦት ገሊፁ ።
እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ይብል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ናብ ውግእ ዘምረሐ ጎነፅ ምፍጣሩ ነቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዛጊድ ዘይሓወየ በሰላ ብቀፃሊ ከቢድ ቅልውላውን ሰፊሕ ምዝንባል ከምዘስዓበ ሓቢሩ ።
ተሳተፍቲ መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ " ኢትዮጵያ ከም ኣካል ስምምዕ ሰላም 2022 ዝተጣየሸ ኣሰራርሓ ምክትታል ሕብረት ሕብረት ተወሳኺ ተቖፃፀርቲ ከዋፍር ክትፈቅድ ፅዕንቶ ከሕድሩን ክፅውዑ ይግባእ ዝበለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብዚ ብተወሳኺ ዋዕላ ሕብረት ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም ተወሳኺ ግህሰት ንምክልኻል ካብ መራሕቲ ንፁርን ዝተዋደደን ስጉምቲ ክወስደሉ ወሳኒ ዕድል ዝፈጥር ተግባር ክፍፅም ኣተሓሳሲቡ።
መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ኣአንጋዲ እቲ ዋዕላን ክስከፉ ኣይግባእን ፤ ምስ መራሒ እታ ሃገር ድማ ቃል ዓለማዊ ርክባት ካብ ምግባር ነቲ ጉዳይ ብግልፂ ክዛረብሉን ይግባእ ነዚ ንምግባር ድማ ክስከፉን ክፈርሑ የብሎምን ክብል ሂዩማን ራይትስ ዎች ለበዎ ኣቕሪቡ ኣሎ።
መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን ሕቡራት ሃገራትን፡ ንኹሎም ተዋሳእቲ፡ እንኮላይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ዝፈረሙን ዘይፈረሙን ጎነፅ ከወግዱን ሓዊ ከብምስቃር ክቑጠቡ ንምክልኻል ፅዕንቶ ክገብሩ ይግባእ ዝበለ እቲ ትካል ፡ ንሲቪላዊ ሓለዋ፡ ተበፃሕነት ሓገዛት፡ ተበፃሕነት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን መሰጋገሪ ፍትሕን ዝምልከት ቁልፊ ድንጋገታት ንምትግባር ቀዳምነት ክህቡን ብግልጺ ክጽውዑ ይግባእ ክብል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መልእኽቱ ኣተሓሳሲቡ ።